Wednesday, August 15, 2012

ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ቀዉሲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣረጋጊዖም፡፡


ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ናይ ሱዳን ቀዉሲ ንምፍታሕ ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዲፕሎማሲያዊ እጃሞም የወፍዩ ከምዘለዉ ላዕለዎት በዓል ስልጣናት ኣፍሪካ ሕብረት ገሊጾም፡፡ከምዝፍለጥ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ህዝባዊ መድረካት ዘይተረኣዩ እንትኸውን፣ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ መግለጺ ሂቡ እዩ፡፡ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ ሓይልታት ግን ሓደ ጊዜ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ብህይወት የለን ሓደ ጊዜ ዝደለይዎን ዝተመነይሉን ዓይነት ሕማም እናጠቀሱ ብከቢድ ሓሚሙ ኣሎ ክብሉ ይስምዑ፡፡  

Friday, August 10, 2012

Welcome to your Blog!!!!


እንኳዕ ናብ Hakiሓቂ ደሓን መጹ!

Hakiሓቂ 
እዚ ዓዲ ሓቂ እዩ! ኣብ ዓዲ ሓቂ ብዛዕባ ሀገርና ንዛተ፡፡ ንዓድና ዝረብሑ ምክረ ሓሳባት ይለዓሉ፤ ይወርዱ፡፡ 
ብሽም ተቃዋሚ ስም ዓድና ዘጥፍኡ፤ ናይ ዉልቀ ኣጀንደኦም ዘካይዱ፤ ኢትዮጵያ ክትጉዳእ ለይትን ቀትርን እናሰርሑ 
ኢትዮጵያ ደው ኢልና ኣለና ዝብሉ፤ መንግስቲ እውን ከይተረፈ ዝዉቀሰሉ፡፡ ብሓደ ሓደ ስሱዓት ዝተጽሓፉ ካብ ሓቂ ዝረሓቁ ታሪካት ዝመዓራረይሉ፡፡ ስለዚ ንዓድና ዝጠቅም ሰናይ ሓሳብ፤ ክስተካከል ዘለዎ ነገር ተልይኩም - በይዛኩም ኣብዚ ዓዲ ሓቂ ምሳና ይጽሓፉ፡፡ 

"ETHIOPIA IS THE START OF HUMAN BEING AND THE APOCALYPSE."