ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ናይ ሱዳን ቀዉሲ ንምፍታሕ ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዲፕሎማሲያዊ እጃሞም የወፍዩ ከምዘለዉ ላዕለዎት በዓል ስልጣናት ኣፍሪካ ሕብረት ገሊጾም፡፡ከምዝፍለጥ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ህዝባዊ መድረካት ዘይተረኣዩ እንትኸውን፣ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ መግለጺ ሂቡ እዩ፡፡ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ ሓይልታት ግን ሓደ ጊዜ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ብህይወት የለን ሓደ ጊዜ ዝደለይዎን ዝተመነይሉን ዓይነት ሕማም እናጠቀሱ ብከቢድ ሓሚሙ ኣሎ ክብሉ ይስምዑ፡፡
ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብ ዕረፍቲ ምህላዎምን ኣድላይነት ዕለታዊ ንጥፈቶምን ጎሊሁ ዝወጸ ኢትዮጵያ African Union summit ኣብ ርእሰ ከተማ(ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ዘዳለወትሉ ግዜ ነይሩ፣ ኣቶ መለስ ኣብ DR Congo ንዘጋጠመ ቀውሲን እናተምበድበደ ዘሎ ቀዉሲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳን ንምርግጋዕ ኣብዘድለይሉ ግዜ እዩ፡፡ዋላኳ ኣብቲ ስብሰባ ክርከብ እንተዘይከኣለ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብቲ ወፍሪ ምርግጋዕ ሱዳን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ምስ chief
mediator Thabo Mbeki (the former South African president ) ቀጻሊ ይራኸብ ከምዝነበረ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊጹ፡፡ናይ መንግስቲ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ሓላፊ ኣቶ በረከት ስምዖን ድማ ምስ SBS ሬድዮ ኣብዝገበርዎ ቃለ መሕተት ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር ቅድሚ ሓዱሽ ዓመት ናብ መደበኛ ስርሖም ክምለሱ ምኻኖም ተዛሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ፡፡ ሙሉእ ቃለ መሕተት ንምስማዕ ነዚ ዝስዕብ ጠዉቅ፡፡
ዕድመን ጥዕናን እናተመነና ንኹሉኹም
ደለይቲ ሰናይ ሀገርናን መራሒናን እግዚኣብሔር ኣምላክና (ኣላህ) ኢዱ ከዕርፈሉ ብጸሎትኩም ንክትዝክርዎ ንሓትት፡፡
No comments:
Post a Comment